Fana: At a Speed of Life!

ኩለን ዩንቨርስቲታት ካብ 23 ክሳብ 30 ጥቅምቲ ቀዳማይ ዙር ምቕባል ተምሃሮ ክገብራ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሳሙኤል ኡርቃቶ ኩለን ዩንቨርስቲታት ካብ 23 ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ቀዳማይ ዙር ምቕባል ተምሃሮ ንክገብራ ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ቀረባ እዋን ብመሰረት ፕሮቶኮል ኮቪድ-19 ናይ ዝተገበረ ድጋፍ ትካላት ውፅኢት ብምርኣይ ኣብ ውሱናት ትካላት ዝተርኣዩ ክፍተታት ብህፁፅ ብምምላእ ተምሃሮ ንምቕባል ዘድሊ ምድላው ንክግበር ኣተሓሳሲቦም።

ሚኒስትር ዲኤታ ዶክተር ሙሉ ነጋ ብግደኦም፥ ውፅኢት  ቅድመ ምድላው ምቕባል ብዝምልከት ኣብ ዘቕረብዎ መብርሂ ኮቪድ-19 እናተኸላኸልካ ዝግበር ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ልዑል ጥንቃቐ ዘድሊዮ ኢዩ ኢሎም።

በቢደረጅኡ ዘለዉ መዳርግቲ ኣካላት፣ ኣመራርሓ እተን ትካላት ብዝበለፀ ተቐራሪቦም ምስራሕ እተን ትካላት ሰለማዊ፣ ተብሃጊን ዓለም ለኻዊ ባህሪ ላዕለዎት ትካላት ንክህልወን ዝገብርን ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.