Fana: At a Speed of Life!

ኩሉ ትውልዲ ኣብ ውሽጢ እቲ መፅሓፍ ንባዕሉ ክረክብ ኢዩ ዝብል እምነት ኣለኒ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሰለስተ ቋንቋታት ዝተፅሓፈ መፅሓፍ ‘የመደመር ትውልድ’ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ተመሪቑ።

እቲ መፅሓፍ ብቋንቋ ኣምሓርኛ፣ ኣፋን ኦሮሞን እንግሊዘኛን ዝተሰናድአ ኢዩ።

ኣብ ስነስርዓት ኢቲ ምረቓ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን፣ ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ውድብ ብልፅግና፣ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ እቶት እቲ መፅሓፍ ክልላት ብባዕልቶም መገዲ ድሕሪ ምሻጦም ሙሉእ ብሙሉእ ኣታዊኡ ንህንፀት ትውልዲን ታሪካዊ ስፍራታትን ንከውዕልዎም ፈቒዶም።

ብመሰረት እዚ ንኣብነት፥ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንህንፀት ቤተ መንግስቲ ፋሲል፣ ኦሮሚያ ሶፎመር በዓቲ፣ ኣዲስ ኣበባ ንህንፀት ስፍራታት ስፖርት፣ ሃረሪ ዑደተኛታት ንዝሪኡዎ ከባቢ ንምልማዕ ከምዝውዕል እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተዛሪቦም።

እቲ መፅሓፍ ኢትዮጵያ ካብ ዘለቶ ፀገም ንክትወፅእ ክግበር ዘለዎ ንምምልኻት ዝተፅሓፈ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ኩሉ ኩሉ ትውልዲ ኣብ ውሽጢ እቲ መፅሓፍ ንባዕሉ ክረክብ ኢዩ ዝብል እምነት ኣለኒ ኢሎም።

ዝተበላሸወ ምዕራይ፣ ዓወታት ምስፋሕ፣ ንትውልዲ እወንታዊ ነገር ምብርካት መትከላት እቲ መፅሓፍ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2012 ዓ.ም መፅሓፍ “መደመር”፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ድማ መፅሓፍ “የመደመር መንገድ” ንንባብ ምብቅዖም ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.