Fana: At a Speed of Life!

ካብ ዝተፈላያ ትካላት ልዕሊ ብር 38 ሚሊየን ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ብሓገዝ ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለያ ትካላት ልዕሊ ብር 38 ሚሊየን ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ንምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሓገዝ ኣበርኪቶም።

ብመሰረት እዚ ባማኮን ኢንጂነሪንግ ኣብ መዓልቲ ን200 ሰባት ኣገልግሎት ክህባ ዝኸእላ 100 ማሽናት ኦክሲጂን ኮንሰንትሬተር፣ ትካል ዓለም ለኸ መድሕን ህፃናት – ዩ ኤስ ኤይድ ን4 ሺሕን 429 መራሕቲ ስድራ ዝኸውንን ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝፀንሕን ሓገዝ ብር 2 ሺሕ ከምኡ እውን ትካል ልምዓት እታወታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ብር 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዝግመቱ ኣቑሑት ሓገዝ ገይሮም።

ብተወሳኺ ቢዛ ራይድ ብር 100 ሺሕ፣ ቴክኖሎጂ በርኪን ኢንጂነርንግ ኣሚኦን ብሓባር ብር 74 ሺሕ ዝግመት ቻምበር ማሽን ፀረ ኢንፌክሽን ኣበርኪቶም።

እቶም ሓገዛት ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ከምዘተረከቡዎም ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኢንጂነር ታከለ ሓገዝ ንዝገበራ ትካላት ምስጋና ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.