Fana: At a Speed of Life!

ዓወት ዓድዋ ኣባ ሓጎታትናን ኣቦታትናን ብምድምማፅ፣ ምምክብባርን ብምፍቓርን ዘመዝገቡዎ ዓወት ኢዩ – ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ 8ይ ዙር ንተጓዓዝቲ ዓድዋ ስንቂ ብመሃብ ኣፋኒየን፡፡

እተን ምክትል ከንቲባ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምፍናው፥ ዓወት ዓድዋ ኣባ ሓጎታትናን ኣቦታትናን ብምድምማፅ፣ ምምክብባርን ብምፍቓርን ዘመዝገቡዎ ክብረ ወሰን ዓወት ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ዓወት ዓድዋ ንኢትዮጵያን ህዝባን ዝነዓቑ ኩሎም ከምዝዋረዱ ዝዛረብ ህያው መፅሓፍ ታሪኽ ኢዩ ዝበላ እተን ምክትል ከንቲባ፥ ከም ኣቦታትናን ኣባሓጎታትናን ሓደ ኮይንና ክነሳግራ ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

ወይዘሮ ኣዳነች ብተወሳኺ፤ ዓወት ዓድዋ ብጠበንጃ ጥራሕ ተሓጊዙ ዝተረኸበ ዓወት ኣይኮነን ኢለን፡፡

ናይ ብዙሓት ልቢ ብምስዓር ዝተረኸበ ሓቀኛ ዓወት እውን ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ምክትል ከንቲባ፥ “ሕዚ እውን ኢትዮጵያ ሓቂ ዝሓዘዘት ስለዝኾነት ክትስዕር ኢያ” ክብላ ገሊፀን።

“መዲና ኣፍሪካ ካብ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ብእግሪ ትጓዓዙ ጀጋኑ ብኽብሪ እንትነፋንወኩም ኣብ ከይዲ ጉዕዞኹም ፈታዊ ሃገሩን ወገኑን ከምኡ እውን ተቐባሊ ጋሻ ንዝኾነ ህዝቢና ኢትዮጵያዊ ፍቕርኹም እናርአኹም፤ ኣብነታዊ ተጓዓዝቲ ደቂ ኣንስትዮ እናምሀርኩም ክትከዱ ይግባእ” ብምባል ነቲ ጉዕዞ ብዕሊ ኣጀሚረን፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ እቲ ምምሕዳር ከተማ ንተጓዓዝቲ ካብ ዘዳለዎ ስንቂን ሓገዝን በብተወሳኺ ክልተ ሚሊየን ህያብ እውን ተበርኪቱሎም፡፡

መበል 125 ዓወት ዓድዋ ብምምልካት ካብ ኣዲስ ኣበባን ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያን ዝተውፃእፅኡ 125 ተሳተፍቲ እቲ ጉዕዞ፥ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ሓርበኛታት፣ ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ፍሉጣት ሰባትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ሎሚ መዓልቲ ከምዝተፋነዉ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.