Fana: At a Speed of Life!

ደረጃ ዓለም ለኸ ግልጋሎት ኤሌክትሮኒክስ ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ሙሉእ ዓቕሚ ዩኒቨርሲቲታት ምጥቃም ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንዜጋታት ቅልጡፍ ኣገልግሎት ብመካብ ደረጃ ዓለም ለኸ ግልጋሎት ኤሌክትሮኒክስ ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ሙሉእ ዓቕሚ ዩኒቨርሲቲታት ምጥቃም ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ሓሙሽተ ከተማታትን ዩኒቨርሲቲአንን ዘሎ ምድላው ግልጋሎት ኤሌክትሮኒክስ ዝድህስስ መፅናዕቲ ቀሪቡ።

ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፣ ድሬዳዋ፣ ባህርዳር፣ ሃዋሳን ኣዳማን ከምኡ እውን ኣብተን ከተማታት ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ዝርከባሉ ደረጃ ኣፅኒዑ ጉድለታት ፈሊዩ ኣሎ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ዝሐሸ መሰረተ ልምዓትን ሓይሊ ሰብን ምህላዉ ዝተረጋገፀ እንትኸውን፥ ዲፓርትመንት ኣይ ሲ ቲ ዘይብሎም ምምሕዳር ከተማታት ከምዘለዉ እውን ተመልኪቱ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሐሸ ጅምር ኣገልግሎት ኤሌክትሮኒክስ ዘለዉ እንትኾኑ፥ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ድማ ብንፅል ዝሐሸ ስራሕ ከምዘሎ ተገምጊሙ።

ክልተ ክልላት እናተኣናገደት ትርከብ ከተማ ሃዋሳ፥ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝሰርሖም ስርዓታት ንምትግባር እናሰርሐት ከምኾነ ተሓቢሩ።

ኣብ ኩለን ከተማታት ፀገም መሰረተ ልምዓትን ክተት ህንፀት ዓቕሚን ከምዘለዉ ተፈሊዩ።

ዩኒቨርሲቲ ባህር ዳር፣ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ፣ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ፣ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ዝሐሸ መሰረተ ልምዓት ዘለወን እንትኾና ሲስተማት ኣብ ምልማዕ ናብ ዕዳጋ እውን ዘውፀኣ ምህላወን ተገሊፁ።

እተን ዩኒቨርሲታት ኣብ መሰረተ ልምዓትን ሓይሊ ሰብን ዝሐሸ ዓቕሚ ስለዘለወን ዓቕመን ፀንቂቐን ክጥቀማ ከምዝግባእ ምሕባሩ ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.