Fana: At a Speed of Life!

ስዊድን ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ዝኸውን ሓገዝ ኣመሓላሊፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስዊድን ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር (238 ሚሊየን ክሮና ስዊዲን) ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታ ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዝውዕል ሓገዝ ከምዘመሓላለፈት ተገሊፁ።

ስዊድን ሓገዝ ምግቢ፣ ማይ፣ መፅለሊ፣ ክንክን ጥዕናን ሓለዋን ዘድልዮም ተቓላዕቲ ሰባት ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾነት ኣፍሊጣ፡፡

“በዚ ድማ ብስትራቴጂካዊ ናይ ሰብኣዊነት መሓዙትና ኣቢልና ስዊድን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ን30 ሰብኣዊ ቅልውላው ፍፃመታት ምላሽ ዝኸውን 4 ነጥቢ 3 ቢሊየን ክሮና ስዊድን ኣመሓላሊፈ ኣለኹ” ኢላ፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ተጠቀምቲ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ዜጋታት ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

ብምዃን ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር (ልዕሊ 238 ክሮና) ሓገዝ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ንኽኸውን ከምዘመሓላለፈት ሓበሬታ ኤምባሲ ስዊድን ኣብ ኣዲስ ኣበባ የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.