Fana: At a Speed of Life!

ጉዳያት መረፃ ብቤት ፍርዲ ዝተኣናገደሉ ረቂቕ ደንቢ ስነ ስርዓትን መረዳእታን ተሰናዲኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ጉዳያት መረፃ ብቤት ፍርዲ ዝተኣናገደሉ ረቂቕ ደንቢ ስነ ስርዓትን መረዳእታን ተሰናዲኡ።

ኣብቲ ረቂቕ ደንቢ ፕሬዚዳንታት ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራል፣ ፕሬዚዳንታት ላዕለዎት ብት ፍርዲ ክልላትን ዳያኑን ኣብ ዝተረኸብሉ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ቀፃሊ ሃገራዊ መረፃ ናፃ፣ ፍትሓውን ዴሞክራሲያዊን ንክኸውን ዘኽእል ደንቢንድላዉ ወሳኒ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ምስ ምዝገባ መረፅቲ ብዝተተሓሓዘ ቤት ፍርዲ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ተማጎትቲ መርሚሩ ኣብ 4 መዓልታት ውሳነ ከምዝህብ ተገሊፁ።

ምስ ምዝገባ ሕፁያት ብዝተተሓሓዘ እውን ቤት ፍርዲ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ተማጎትቲ መርሚሩ ኣብ 4 መዓልታት ውሳነ ክህብ ይግባእ።

ጉዳያት መረፃ ብቤት ፍርዲ ኣብ ዝተኣናገደሉ ረቂቕ ደንቢ ስነ ስርዓትን መረዳእታን ውሽጢ ምስ ምልክት ምርጫ፣ ግድፈታት ስነ ምግባርን ኣወሃህባ ድምፂን ብዝተተሓሓዘ ዝለዓሉ ቅርታታት ንምድናይ ዘኽእሉ ዝርዝር ነጥብታት ተኻቲቶም ኢዮም።

ከይዲን ውፅኢትን ቆፀራ ድምፂ ብዝምልከት ዝቐርቡ ቅርታታት እቲ ግዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኣብ ውሽጢ 3 ሰዓት ብምምርማር ኣብ 30 መዓልራር ውሳነ ክዝህብ ተሓቢሩ።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.