Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ኣስቶንቪላ ንስቲቨን ጄራርድ ኣሰልጣኒ ገይራ ሾይማ 

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)እንግሊዛዊት ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ንስቲቨን ጄራርድ ኣሰልጣኒ ገይራ ሾይማ።

ኣስቶንቪላ ንዲን ስሚዝን ካባረሩ ድሕሪ ምብራራ ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ንምርካብ እናኣለሸት ፀኒሓ ኢያ።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ነበር ተፃዋቲ ጋንታ ሊቨርፑል ስቲቨን ጄራርድ ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ገይራ ሾይማ ኣላ፡፡

ኣሰልጣኒ ስኮትላንዳዊት ጋንታ ሬንጀርስ ዝነበረ ጄራርድ፥ ንጋንታ ኣስቶንቪላ ክለተ ዓመትን ፈረቓን ንምስልጣን ተስማዕሚዑ።

ወዲ 41 ዓመት እንግሊዛዊ ኣብ ሬንጀርስ ዝነበሮ ፃንሒት ምስታ ጋንታ ፅዋዕ ስኮቲሽ ፕሪሚየር ሊግ ከምዝተዓወተ ዝዝከር ኢዩ፡፡

ምስ ጄራርድ ተተሓሒዙ ኣስቶንቪላ ንጋንታ ሬንጀረስ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ፓውንድ ካሕሳ ከምትኸፍል ስካይ ስፖርት ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.