Fana: At a Speed of Life!

ፀላኢ ተሳዒሩ እዩ፤ ቀፃሊ ስራሕትና ንፀላኢ ምብታንን ምድምሳስን እዩ ዝኸውን – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ፀላኢ ተሳዒሩ እዩ፤ ቀፃሊ ስራሕትና ንፀላኢ ምብታንን ምድምሳስን እዩ” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቦም።

ሐዚ ዘጋጠመና ፀላኢ ዝዘርፍ፣ ዝሰርቕ፣ ዝደፍር፣ ንደቂኣንስትዮ ክብሪ ዘየብሉን ገዛእ-ርእሱ ኣዋሪዱ ንዓና እውን ከዋርድ ዝደሊ እዩ ኢሎም።

እዚ ሓይሊ እዚ ከይሃቀነን ከይተለመን ብግምት ናብ ኲናት ኣትዩ እዩ፤ ብግምት ግን ኣይክወፅን እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ተዛሪቦም።

ኣብ ግምባር ጋሽና እንገብሮ ናይ ምጥቃዕ ስራሕ ኣገዳሲ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ፀላኢ ከይሃቀነ ዝወሰኖ ውሳነ ዘምጸሉ ክሳራ ብምዕዛብ ትምህርቲ ዝረኽበሉ እዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

ነዚ ንምግባር ድማ ትልሚ ኣውፂእና ወዲእና ኢና፤ ሰራዊትና እውን ድልዉ እዩ ኢሎም። መዓዝን ብኸመይን ዝብል ድሕሪ ምውሳንና ኣብ ጋሸና ብዓወት ንራኸበሉ ጊዜ ርሑቕ ኣይክኸውንን ኢሎም።

መንእሰይ ትግራይ ከም ቆፅሊ እናረገፈ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ መንእሰይ ትግራይ ከምዝተስዓረ ተረዲኡ፤ ዕቅድ ኣብ ዘየብሉን ፍፃመኡ ኣብ ዘይፍለጥን ጉዕዞ ዓወት ከምዘየለ ተረዲኡ ኢዱ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ንፍሉይ ሓይልታትን ንኣባላት ሚሊሻን ንክህብ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ነዚ ምግባር እንተዘይክኢሉ ድማ ኣብዚ ሰሙን ብዝረኣዮ ብርቱዕ ዓቕሚ ሰራዊት ምክልኻል ናይ ምድምሳሱ ኩነታት ከምዝቕፅል ኣፅንኦት ሂቦም።

ብካልእ ወገን ኣደታት ትግራይ ደቀን ኣበይ ይበፅሑ ከምዘለዉ ክሓታ ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ግምባር ኰይኖም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ሓቲቶም።

ንሕና ኲናት ኣይንደልን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንሕና ሰላምን ሓድነት ሃገርን ኢና ንደሊ፤ ይኹን እምበር ሃገር ክነዋርድ ኢና፣ ክነፍርስ ኢና ኢሉ ንዝኣተወ ሓይሊ ግን ክነፍርስ ኢና፣ ክንድምስስ ኢና፣ ኢሉ እውን ክብሪ ሃገርና ክነሐሉ ኢና ኢሎም።

ዝዀነ ይኹን መስዋእትነት ንምኽፋል ድማ ድሉዋት ኢና ኢሎም።

ነዚ ድማ እቲ ሰራዊት ዘለዎ ዓቕሚ ብቑዕ ብምዃኑ ኣብ ውሽጢ ሓፂር ጊዜ ነዚ ግምባር ዛዚምና ናብ ካልኦት ግምባራት ክንዘውር ኢና ኢሎም።

ህዝቢ እውን ዝገብሮ ዘሎ ደጀንነት ሐዚ እውን ዓጠናኺሩ ንክቕፅለሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.