Fana: At a Speed of Life!

ፖለቲካዊ ልዝብ ኢትዮ ቱርኪ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)6ይ ፖለቲካዊ መድረኽ ዘተ ኢትዮ-ቱርኪ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

ልኡኽ ኢትዮጵያ ብሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ዝተመርሕ እንትኸውን፥ ልኡኽ ቱርኪ ድማ ብሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ሴዳት ኦና ተመሪሑ።

ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብቲ መድረኽዘተ ዝገበሩዎ መደረ፥ ኢትዮጵያን ቱርኪን ነዊሕ ዘበናት ዘቑፀረ ርክብ ከምዘለወን ብምዝኽኻ፤ ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ብምፍሳስ ኣብ ቅድሚት ከምዝስርዑ ገሊፆም።

ኢትዮጵያን ቱርኪን ካብ ዘለወን ምትሕብባር ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብተወሳኺ፥ ኣብ ከም ትምህርቲ፣ ፀፅታን ምክልኻል ግብረ ራዕዲን እውን ብሓባር ክሰርሑሎም ዝኽእሉ ዓውዲታት ከምዝኾኑ እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።

ሚኒስትር ዶኤታ ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ ኣምባሳደር ሴዳት ኦናል ብግደኦም፥ ቱርኪ ምስ ኢትዮጵያ ንዘለዋ ርክብ ፍሉይ ትኹረት ከምትህቦ ብምግላፅ፤ ምትሕብባራ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣገንዚቦም።

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝግበሩ መሰል ፖለቲካ ልዝባት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ዝገለፁ ኣምባሳደር ስዳት፥ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ዘፍሰሱ ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ንምሕጋዝ መንግስቶም ቁርፀኛ ምዃኑ እውን እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።

ክልቲኦም ሚኒስትር ዲኤታታት ኣብ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣመልኪቶም እውን ሓበሬታ ዝተለዋወጡ እንትኾኑ፥ ዝርገሐ እቲ ለበዳ ንምግታእ ምትሕብባሮም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ምስምዕመዖም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.