Fana: At a Speed of Life!

ሃገራት ኣፍሪካ ብዛዕባ ዝርገሐ ኣሚክሮን ሓበሬታ ምቕራብ ብዘይምኽኣለን ብዛዕባ ኩነታት ዝርገሐ ንምግላፅ ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራት ኣፍሪካ ብዛዕባ ዝርገሐ ኣሚክሮን ቫይረስ ኮሮና ሓበሬታ ከቕርባ ብዘይምኽኣለን ኩነታት ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምግላፅ ኣፀጋሚ ከምዝገበሮ ማእኸል ቁፅፅር ሕማማት ኣፍሪካ (ሲዲሲ) ገሊፁ።

ዳይሬክተር ሲዲሲ ዝኾና ዶክተር ጆን ንከንጋሶንግ ከምዝበለኦ፥ ደቡብ ኣፍሪካ ብዛዕባ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ዝተማለአ ሓበሬታ ዘቕረበት ብሕታዊት ሃገር እቲ ኣህጉር ኢያ።

ዝርገሐ እቲ ቫይረስን በቲ ቫይረስ ተታሒዦም ናብ ሆስፒታ ናይ ምእታው እውን ኣብ ሰሙን ክሳብ 9 ሚኢታዊ ምዃኑ ኣመልኪተን።

ደቡብ ኣፍሪካ 27 ሚኢታዊ ዝኸውን ህዝባ ክታበት ኮቪድ-19 ብምኽታብ ብሲዲሲ ልዑል ብርኪ ክታበት ካብ ሞንጎ ዘለወን ሓሙሽተ ሃገራት ሓንቲ ኢያ ተባሂሉ፡፡

ሲዲሲ ክሳብ ሕዚ ብዝለዎ ሓበሬታ ኣብታ ኣህጉር 39 ሃገራት ብዛዕባ ዝርገሐ እዋናዊ ኩነታት ፀብፃብ ዘቕረባ እንትኾና፥ ካብ ዝገበረኦ ፀብፃብ ብምብጋስድሕሪ በዓል ልደት ብዝተፈጠረ ምንኅኻእ ሰባት ምውሳኽ ቁፅሪ ምርኣዩ ገሊፀን፡፡

ኣብ መብዛሕተአን ሃገራት ኣፍሪካ ብዛዕባ ዝርገሐን ሓፈሻዊ ኩነታትን ኣሚክሮን ቫይረስ ንምፍላጥ ዘኽእል ዝተማለአ ሓበሬታ ስለዘየለ፥ ብምንታይ ኩነታት እናተስፋሕፈሐ ከምዘሎን ክንደይ ዘኣክል ጉድኣት ከምዘብፀሐን ንምፍላጥ ከምዝተፀገመ እቲ ትካል ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ ኣፍሪካ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ልዕሊ 10 ሚሊየን ከምዝበፅሐ ኤስ ኤ ቢ ሲ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.