Fana: At a Speed of Life!

ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ሕፅረት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ከጋጥም ከምዝኽእል ሲዲሲ ኣፍሪካ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ሕፅረት ኣቑሑት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ከጋጥም ከምዝኽእል ማእኸል መከላኸሊን መቆፃፀሪን ሕማማት ኣፍሪካ (ሲዲሲ ኣፍሪካ) ኣፍሊጡ።

እቲ ማእኸል ኣብ ዘውፀአኦ መግለፂ ሃገራት ኣፍሪካ ከጋጥመን ዝኽእል ሕፅረት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ንምንካይ ክዳለዋ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ሲዲሲ ኣፍሪካ ኣብ መግለፂኡ፥ እቲ ሕፅረት ብብርኪ ዓለም ዘሎ ፀገም ሰንሰለት ቀረብ ኽንያት ዝፍጠር ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

41 ሃገራት ምጥቃም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣገዳዲ ከምዝገበራ ዝሓበረ እቲ ማእኸል፥ ብፍላይ ድማ ሰበ ሞያታት ሕክምና ሕፅረት ኣቑሑት መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ከየጋጥሞም ምስራሕ ይግባእ ኢሉ።

ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝተጣየሻ ትካላት እውን ኣብ ውሽጢ ትልመን ሕፅረት መከላኸሊ እቲ ቫይረስ ከየጋጥም ዘኽእሉ ተግባራት ክሰርሓ ከምዝግባእ ምግላፁ ሺንዋ ፀብፂቡ።

ቅድሚ ሕዚ እውን እንተኾነ ኣብ ኣፍሪካ ሕፅረት ኣቑሑት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ከምዝነበረ እናተገለፀ ፀኒሑ ኢዩ።

ስለዝኾነ ድማ ምስቲ ዝነበረ ፀገም ተደሚሩ ኣፍሪካ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃር ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ዕንቅፋት ከይፍጠር ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.