Fana: At a Speed of Life!

ሃገራት ኣፍሪካ ክታበት ኮቪድ-19 ምሃብ ጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራት ኣፍሪካ ክታበት ኮቪድ-19 ምሃብ ምጅማረን ተገሊፁ።

ግብፂ ጋናን ክታበት ምሃብ ዝጀመራ እንትኾና፥ ናይጄሪያ ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት እውን ሎሚ መዓልቲ ክጅምራ ኢየን ተባሂሉ፡፡

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ክሳብ ሕዚ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሪ ልዕሊ 3 ሚሊየንን 37 ሺሕን እንትኸውን፥ 104 ሺሕን 900 ድማ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ፡፡

እቲ ቫይረስ ብቕልጡፍ እናተላበደ ምምፅኡ ስዒቡ ውፅኢታዊ ዝኾኑ ክታበታት ናብ ሃገራት እናተላኣኹ ከምዝርከቡ ይፍለጥ፡፡

ዕድመኦም ዝደፍኡን ሰብ ሞያታት ሕክምናን እቲ ክታበት ቅድሚት ክወስዱ ኢዮም፡፡

ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 116 ሚሊየን 250 ሺሕን ሰባት በቲ ቫይረስ እንተሓዙ፥ ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ፡፡

ፍልፍል፡- ሲ ጂ ቲ ኤንን ዎርልድ ኦ ሜትር

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.