Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኣብ ክሊ ዘሰናድኦ ስትራቴጂያዊ ትልሚ ጠሚቱ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኣብ ክሊ ዘሰናድኦ ስትራቴጂያዊ ትልሚ ጠሚቱ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ተዛቲዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ካብ ሚኒስቴር ሰላም፣ ሃገራዊ ቦርድ መረፃን መራኸቢ ሓፋሽን ዝመፅኡ ክኢላታት ሓዊሱ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ተሳቲፎም።

ዋና ኮሚሽነር ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ፥ ዕማማት እቲ ኮሚሽን ብዝበለፀ ንምፍፃም ስትራተጂካዊ ትልሚ ተዳልዩ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ትልሚ ንዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ግብሪ ዝውዕል ኮይኑ ቅድሚ ሕዚ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ተዘትዩሉ ነይሩ።

ሎሚ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዝተገበረ ዘተ ተወሳኺ እታወታት ንምእካብ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሓለፉ 5 ኣዋርሕ ዝተፈላለዩ ሕግታት እናማዕበለ ከምዝፀንሐን ኣብ ህዝባዊ ኣጀንዳታት ብትኹረት እናሰርሐ እዩ ክብሉ እቶም ኮሚሽነር ሓቢሮም።

ንሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ዝመርሑ 11 ኮሚሽነራት ብምምራፅ ስራሕ ምጅማሮም ዝዝከር እዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.