Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ኣወሃህባ ኣፍልጦን ምስጋናን ውፅኢታዊ መምህራን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ኣወሃህባ ኣፍልጦን ምስጋናን ውፅኢታዊ መምህራን ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴን ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ሚኒስቴር፣ መምህራን፣ ከምኡ እውን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም፡፡

ብቕዓት ዘለዎም መምህራንን ሕፁያት መምህራንን ንምብርትታዕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ ገሊፆም፡፡

ሞያ መምህርነት መሰረት ኩሎም ያታት ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ መምህራን ክብሪን ምስጋናን ይግበኦም ኢሎም፡፡

ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ኣወሃህባ ኣፍልጦን ምስጋናን ውፅኢታዊ መምህራን በቢዓመቱ ከምዝቕፅል ምግላፆም እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.