Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ለኸ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ቤት ምኽሪ ዘይሻራዊ ኣማኻሪ ፖሊስ ፈላማይ ኣኼቡኡ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2015 ዓ.ም ዝተጣየሸ ሃገር ለኸ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ቤት ምኽሪ ዘይሻራዊ ኣማኻሪ ፖሊስ ፈላማይ ኣኼቡኡ ኣካይዱ፡፡

ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል ኣብቲ ኣኼባ÷ ስራሕቲ እቲ ዘይሻራዊ ቤት ምኽሪ ዝመርሑ ሸውዓተ ኣባላት ፈፀምቲ ስራሕ ምጥያሽ ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ንኩለን ክልላትን ኢትዮጵያን ብዝውክል መልክዑ ኣመራርሓታት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብፈፃሚ ስራሕ እንትሳተፉ ዝሐሸ ውፅኢት ምርካብ ከምዝከኣል ተዛሪቦም።

ብቐሊሉ ኣብ ሕብረተሰብ ንምብፃሕ ዩኒቨርሲቲታት ምቹዋት ስለዝኾና ኣብ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ቤት ምኽሪ ብምክታት ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብ እውን ብመሓዝ ስራሕቲ ፖሊስ ሕብረተሰብ ብዝሐሸ ብርኪ ምርኻብ ከምዝከኣል እውን ኣብሪሆም፡፡

ዘበናዊ ብዝኾነ መልክዑ ማሕበረሰብ ሓቆፍ ግልጋሎት ፖሊስ ንምዕባይ ዓብዪ ዓወት ዝፈጥር ምትእስሳር ዜጋታት ሞባይል መተግበሪ ኣብ ቀረባ እዋን ተግባራዊ ከምዝኸውን ምግላፁ ካብ ፖሊስ ፌደራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.