Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ናይ ምፍራስ ድሌት ፀላኢ ብምምካትና ኢትዮጵያ ተስፋ ዝህብ ሽቶታት ልምዓት ጋህዲ ትገብር ኣላ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ናይ ምፍራስ ድሌት ፀላኢ ብዝተዋደደ ቃልሲ ብምምካትና ኢትዮጵያ ተስፋ ዝህብ ሽቶታት ልምዓት ጋህዲ ትገብር ኣላ ክብሉ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ “መከታ” ኣብ ዝተብሃለ መፅሄት ሰራዊት ምክልኻል ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእኽቶም ድማ፥ “2013 ን 2014 ዓ.ም ብሓደ ወገን ኣብ ልዕሊ ሃገርና ብዙሓት ፈተናታትን ሓደጋ ህልውናን ዝተጋፈዐትሉ ብኻሊእ መዳይ ብዝተዋደደ ቃልሲ ህዝብና፣ መራሕትና ሰራዊት ምክልኻልን ሓይሊታት ፀፅታን እቶም ፈተናታት ብፅንዓት ዝሓለፍናሉን ብዓወት ዝተሰጋገርናሉን እዋን ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኣብ መእተዊ 2015 ዓ.ም ኢትዮጵያውያን ሰላም ረኺቦም አብ ህንፀት ሃገር ከድህቡ ምኽኣሎም ከም ሓዊ ዘቃፅሎ ህወሓት ውሳነ ምቁራፅ ተኹሲ መንግስቲ ጥሒሱ ውግእ ምኽፋቱ ኣብሪሆም፡፡

ይኹን እመበር ብዝዓተርናዮ ዓወት ዝተረኸቡ ውፅኢታት ምምካትን ቀፃሊ ገስጋስ ዕቤትን ክዓግት ከምዘይኽእሉ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ህወሓት 250 ሺሕ ተዋጋእቲ ሓይሊ ሒዙ ምስ 44 ሺሕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተዋጊኡ ከምዝተበታተነ እቶም ፊልድ ማርሻል ተዛሪቦም፡፡

ለስምንት ወራት በውጊያና አሰሳ ላይ ቆይቶ ከትግራይ የወጣው ኃይላችን መልሶ ባልተቋቋመበት ሁኔታ ከ500 ሺህ በላይ የትህነግ ተዋጊ ማዕበል ተረባርቦበት እንኳ አለመንበርከኩንም ነው የተናገሩት

ሰራዊት ምክልኻል÷ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ውግእን ዳህሳስን ፀኒሑ ካብ ትግራይ ዝወፅአ ሓይልና መሊሱ ኣብ ዘይተፃወረሉ ኩነታት ልዕሊ 500 ሺሕ ማዕበል ተዋጋእቲ ትህነግ ተረባሪቡሉ እውን ከምዘይተምበርከኸ ገሊፆም።

ንሕና ወታደራት ንኹን እምበር ኣማራፂ ሰላም ኢና ነቐድም ዝበሉ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፥ ህልውና ሃገር ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕን ህዝቢ ንምጉስቛልን ዝዓለመ ሓይሊ ውግእ እንተኸፊቱልና ግን ኣብ ሓፂር እዋንን ትሑት ክሳራን ንምምካት ዘኽእል ቁመናን ድልዉነትን ኣለና ክብሉ ኣብሪሆም።

ህዝቢ ንሰራዊት ብሓይሊ ሰብ፣ ናውቲ፣ ገንዘብን ብፍላይ ድማ ብሞራል እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ እውን ንኢዶም።

“ሓገዝ ህዝቢን ፅንዓት ዕላማ እቲ ሰራዊትን ብምውዳድ ብሱል ኣመራርሓ ዝሃቡ መራሕቲ፣ ኣዘዝቲ፣ ሓይሊታት ፀፅታን ድሕንነትን ከበባ ፀላኢ በታቲኾም ዓወት ስለዘጎናፀፉና ምስጋና ይግበኦም” ኢሎም።

እዋን ፈተና 2014 ዓ.ምን እቶም ፈተናታት ብዓወት ብምውፃእ ናብ 2015 ዓ.ም ዝተሰጋገርናሉን ዘበን ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.