Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ኣብ እትደልዮ ዓውዲ ኩሉ ኣብ ግምባር ምስላፍ የድሊ ክብላ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ተዛሪበን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘላቒ ሰላማን ፀጥታኣን ዝተሓለወን ዝማዕበለትን ሃገር ንምቕፃል ሃገር ኣብ እትደልዮ ዓውዲ ኩሉ ኣብ ቅድሚት ምስላፍ ከምዘድሊ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ብመፅናዕታዊ መፅሓፍ ቅዱስ ኢትዮጵያ “ብዛዕባ ሰላም፣ ዕቤትን ሓድነትን ሃገርና ብምትሕብባር ንስራሕ” ብዝብል ቴማ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።

እተን ከንቲባ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ሰላም መሰረት ሃገር እዩ፤እዚ ድማ ካብ ኢትዮጵያውያን ዝተሓብአ ሓቂ ኣይኰነን፤ ኢትዮጵያውያን ንሰላም ክብሉ ብዙሕ መስዋእትነት ከፊሎም እዮም ኢለን።

ሰላም ብዝህውኽ ትዕቢተኛ ጉጅለ ሃገርና ኢትዮጵያ ሰላማ ስኢና እያ፤ ደላይ ሰላም መሓዛ ትደሊ እያ፤ ትዕቢተኛታት ድማ ትጸልእ እያ ክብላ ገሊፀን።

ዘላቒ ሰላማን ፀጥታኣን ዝተሓለወን ዝማዕበለትን ሃገር ንምቕፃል ሃገር ኣብ እትደልዮ ዓውዲ ኩሉ ኣብ ቅድሚት ምስላፍ የድሊ እዩ እውን ኢለን።

እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአዩ ከይድታት ምፍልላይን ምጉናፅን ተለዊጦም ዘላቒ ሰላም ኣብዛ ሃገር ንምስፋን ኣብ ዘኽእል ኩነታት ንምምካር ምድላወን ካብ ኣዲስ ሚዲያ ኔትዎርክ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.