Fana: At a Speed of Life!

ህንዲ ኣብ ተለዋጢት ኣባልነታ ኢትዮጵያን ብዝምልከት ዘርአየቶ ቅዋም ዝነኣድ ኢዩ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ህንዲ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተለዋጢት ኣባል ኣብ ዝነበረትሉ እዋን  ኢትዮጵያን ብዝምልከት ዘርአየቶ ዘይሻራዊ ቅዋም ኢትዮጵያ ንኢዳ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ህንዲ ሱብራህማኒያም ጃይሸንከር ጎድና ጎኒ መበል 77 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሕመ ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዕድላት ኢንቨስትመንትን ምምሕያሸት ኢኮኖሚን ንኽጥቀሙ ፀዊዖም።

ካብዚ ሓሊፉ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዛዕባ ዝኸፈቶ መጥቃዕቲን መንግስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ እናወሰዶ ዝርከብ ስጉምቲን ዝምልከት ገለፃ ገይሮምሎም።

ኣይተ ደመቀ ህንዲ ኣብ ኣፀጋሚ እዋን ንኢትዮጵያ ዘርአየቶ ሓገዝ ንአዶም።

ህንድ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተለዋጢት ኣባል ኣብ ዝነበረትሉ እዋን÷ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ብዝምልከት ዘርአየቶ ትኽክለኛ፣ ዘይሻራዊን መምርሒ ዝተኸተለን ቅዋም ዝነኣድ ከምዝኾ እውን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.