Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ማእኸል ልህቀት ቴክኖሎጂ ንምውጋን ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን ኮርፖሬሽን ሲቪል ኢንጂነሪንግ ቻይናን ህንፀት ማእኸል ልህቀት ቴክኖሎጂ ንምውጋን ዘኽእል ስምምዕነት ውዕሊ ተፈራሪሞም፡፡

እቲ ማእኸል ኣብ ኮተቤ ኣብ ዝርከብ ቀፅሪ እቲ ትካል ዝህነፅ እንትኸውን÷ ንህንፀት እቲ ፕሮጀክት 9 ቢሊየን 341 ሚሊየን 596 ሺሕን 232 ብር ተመዲቡ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሽፈራው ተሊላን ኤክስኪዩቲቭ ማኔጅንግ ዳይሬክተር ኮርፖሬሽን ሲቪል ኢንጂነሪንግ ቻይናን ጨንፈር ኢትዮጵያ ው ጁይን እቲ ስምምዕነት ፈሪሞምዎ፡፡

እቲ ማእኸል ተሃኒፁ እንትዛዘም ምስ ዘበኑ ቴክኖሎጂ ዝተጠዓዓመን ንዓማዊል ዝወሃብ ግልጋሎት ዘተኣማምን፣ ቅልጡፍን ዘበናዊን ንምግባር ልዑል ግደ ከምዘለዎ ኣይተ ሽፈራው ምግላፆም ካብ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ው ጁይን ብግደኦም ህንፀት እቲ ማእኸል ኣብ ዝተትሓዘሉ ግዘ ብፅሬት ዛዚሞም ከምዘረክቡ ኣረጋጊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.