Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ 90 ሚኢታዊት ምብፅሑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ 90 ሚኢታዊት ምብፅሑ ተገሊፁ።

እምነ ኩርናዕ እቲ ግድብ ዝተነበረሉ መበል 12 ዓመት ምኽኒያት ብምግባር ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ፕሮጀክት እቲ ግድብ ካስብ ሐዚ ዝተሰርሑ ስራሕቲን ኣብ ቀፃሊ ክስርሑ ዝተትሓዙ ትልሚታትን ዝምልከት መግለፂ ሂቡ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ንህንፀት እቲ ግድብ ብገንዘብ፣ ፍልጠትን ጉልበትን ደገፍ ብምግባርን እቲ ግድብ ዘለዎ ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶ ኣብ ምምካት ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ዝገበርዎ ኣስተዋፅኦ ኣዘኻኺሩ።

ኣብዚ ዓመት ብሽይጣት ቦንደ፣ ዓውደ ርእያትን ካልኦት ሜላታት ምትእኽኻብ እቶትን ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ 2 ቢሊየን ብር እቲ 50 ሚኢታዊ ምፍፃም ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።

16 መጋቢት 2015 ዓ.ም ድማ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ኣሶሳ 100 ሚሊየን ብር ንምእካብ ዝዓለመ መርሃ ግብሪ ሽይጣት ቦንድ ከምዝሳለጥ ተገሊፁ።

ብትዕግስት ኣስማማው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.