Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ፕሮጀክት “ኩል ፖርት ኣዲስ” ኣብዚ ዓመት ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኣትክልቲን ፍረምረን መፅንሒን መጓዓዓዚን ዝውዕል ህንፀት ፕሮጀክት “ኩል ፖርት ኣዲስ” ኣብዚ ዓመት ከምዝጅመር ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ምክትል ፈፃ ስራሕ ወደብን ተርሚናልን ምህረተኣብ ተኹሉ ከምዝገለፁዎ፥ ፅሬት ፍርያታት ኣትክልቲን ፍረምረን ሓሊኻ ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ ዝርከብ ሸርፊ ወፃኢ ንምዕባይ መዝሐሊ ኮንቴነራት ምህናፅ ወሳኒ ኢዩ፡፡

ብመንፅር እዚ ኣብ ደረቅ ወደብ ሞጆ ኣትክልቲን ፍረምረን መፅንሒን መጓዓዓዚን ዝውዕል ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት እምነ ኹርናዕ ፕሮጀክት “ኩል ፖርት ኣዲስ” ከምዝተቐመጠ ኣዘኻኺሮም፡፡

ይኹን እምበር ህንፀቱ ንምጅማር ዝውዕል ፋይናንስ ኣብ ዝድለ ግዘ ዘይምርካብን ኣብቲ ዓውዲ እኹል ልምዲ ንምርካብ ዘኽእሉ መፅናዕቲታት ምጉታት እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተብሃለሉ እዋን ከይጅመር ከምዝገበሮ ኣብሪሆም።

በዚ ድማ ንህንፀት እቲ ፕሮጀክት ሓገዝ ፋይናንስ ንምርካብ ምስ መንግስቲ ኔዘርላንድስ ዘተን ድርድርን እናተገበረ ምፅንሑ ብምሕባር ነዚ ስዒቡ ድማ ቅድሚ ኣዋርሕ ስምምዕነት ሓገዝ 25 ሚሊየን ዶላር ከምዝፈረመ ተዛሪቦም።

እቲ ፕሮጀክት ብሓፈሻ 50 ሚሊየን ዶላር ዝውድእ እንትኸውን፥ ዝተረፈ 25 ሚሊየን ዶላር ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝሽፈን ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ብምዃኑ ህንፀት ፕሮጀክት ኣብዚ ዓመት ከምዝጅመርን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ከምዝዛዘም ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.