Fana: At a Speed of Life!

ህዝበ ሙስሊም ዒድ ሶላት ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ንኽሰግድ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህዝበ ሙስሊም ዒድ ሶላት ኣብ ገገዝኡ ኮይኑ ንኽሰግድ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።

ፕሬዚዳነት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ፥ ንመበል 1 ሺሕን 441 ዝኽበር በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ ህዝቢ ሙስሊም ናይዚ ዓመት በዓል ዒድ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዝተርኣየሉ እዋን ዝኽበር ብምዃኑ፥ እቲ ለበዳ ሕማም ከይላበድ ጥንቃቐ ክገብር ይግባእ ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ ኩሉ ማሕበረሰብ ሙስሉም፥ ዒድ ሶላት ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ንኽሰግድ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ በዓል እንትኽበር እውን ንዝተፀገሙ ሰባት ብምሕጋዝ፣ ብምትሕግጋዝን ብምትሕዝዛንን ከምኡ እውን ሓድነት ብዘጠናኽር መልክዑ ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

መበል 1 ሺሕን 441 በዓል ዒድ ኣል ፈጥር፥ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ወርሒ እንተተራኢያ ፅባሕ ቀዳም፤ እንድሕር ዘይተራኢያ ድማ ሰንበት ተኸቢሩ ዝውዕል ምዃኑ ገሊፆም።

እቶም ፕሪዚዳንት፥ “ንመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና እንኳዕ 1 ሺሕን 441 በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ኣብፀሐኩም” ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.