Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ንባዕሉ ካብ ሽርሒ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንኽሕሉ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ኢትዮጵያ ንባዕሉ ካብ ሽርሒ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንኽሕሉን ብዕላማን ቅዋምን ሰራዊት ምክልኻል ዝጀመሮ ምውዳድ ንኸጠናኽርን ሰራዊት ምክልኻል ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት በትሪ ሰራዊት ምክልኻል ምፅዋር እንትኣብዮ ሽም ሰራዊት ምክልኻል ምጥፋእ ከምዝተተሓሓዞ ተገሊፁ፡፡

ናይ ሕሶት ፊልምታት እናቀናበረ ናይ ሕሶት ክሲታት ምፍብራኽ ከምዝቐፀለ እውን ተሓቢሩ።

ካብ ውድብ ሕራት መንግስታትን ሰላም ካብ ዘኽበረሎም ህዝቢታትን ዝተውሃቡዎ ምስክር ወረቐታት ከምዘረጋግፁዎ÷ ሰራዊት ምክልኻል ህዝባዊ ክብሪ ዝተላበሰ ኢዩ፡፡

እዚ ድማ ኣሸንኳይ ኣብ ሃገሩን ህዝቡን ዓለም ለኸ ምኽባር ሰላም ልኡኽቱኡ ብተግባር ከምዝተመስከረሉ ገሊፁ፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓትን መሻርኽቱን እቲ ትካል ንምፍራስ ፈቲኖም ኢዮም፤ ለይቲ 24 ጥቅምቲ ብኽሕደት ወጊኦም ከጥፍኡዎ ፅሮም፤ ደጋጊሞም ኲናት ይምዘዙሉ እምበር ብተፃራሪ ስዕረት ከምዘጎልበቦም ሰራዊት ምክልኻል ኣብሪሁ፡፡

እዚ ኩሉ ዝፈሸሎ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ መወዳእታ ናብ ፈጠራ ሕሶት ኣመሉ ከምዝኣተወ ኢዩ ገሊፁ ዘሎ እቲ ሰራዊት፡፡

እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ሓደ ሓደ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ብዝተፈላለየ እዋን ንዝተፈላለየ ዕላማ ዝተዛረቡዎ ቆሪፁ እናቐፀለ ሽም እቲ ሰራዊት ኣብ ምጥፋእ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

ሰራዊት ምክልኃል ሃገር ብሕፅረት ግንዛበ ይኹን መጥቀሚ ዕላማ ፀላኢ ብምዃን ካብ ክብሪታቱ ወፃእ ዝኾኑ መልእኽቲታት ዘመሓላልፉ ኣባላቱ ብልዑል ጥሕሰት ስነ ምግባር ከምዝቐፅዕ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንባዕሉ ካብ ሽርሒ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንኽሕሉን ብዕላማን ቅዋምን ሰራዊት ምክልኻል ዝጀመሮ ምውዳድ ንኸጠናኽርን ሰራዊት ምክልኻል ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.