Fana: At a Speed of Life!

ህፃናትን ሰገናትን ንባዕሎም ካብ ቫይረስ ኮሮና ንኽሕልዉ ቀ/ሚ ኣቢይ ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህፃናትን ሰገናትን ንባዕሎም ካብ ቫይረስ ኮሮና ንኽሕልዉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር  ኣቢይ ኣሕመድ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ መንግስቲ እቲ ለበዳ ሕማም ንምክልኻል ዝሰርሖም ዘሎ ስራሕቲን ህፃናትን ሰገናትን ክገብሩዎም ዝግብኡ ስጉምቲታትን ኣመላኺቶም።

እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ህፃናት ተፈናቲቶም ክንቀሳቐሱን ክቕመጡን ከምዝግባእ፣ ኢዶም ብተደጋጋሚ ብፅሩይ ማይን ሳሙናን ብግቡ ምሕፃብን ካብ ገዛ ብዘይምውፃእን ክከላኸሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ህፃናትን ሰገናትን ኣብ ገዛ ኣብዝኾኑሉ እዋን፥ መፅሓፍ ብምንባብ፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምስራሕን ናይ ቆልዑት ፀወታታት ብምፅዋትን ንኸሕልፉዎ ኣገንዚቦም።

ምጥንቃቕ እምበር ምጭናቕ ከምዘየድሊ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.