Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ ወታደራዊ ጉጅለ ልኡኽ ዛምቢያ ኣብ ዋር ኮሌጅ ምክልኻ ዑደት ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ኢታማዦር ሹም ዛምቢያ ሜጄር ጀኔራል ጂኦፍር ቾንጎ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዋር ኮሌጅ ምክልኻል ሓፈሻዊ ትምህቲን ምንቅስቓስ መሰረተ ልምዓትን ዝዳህሰሰ ዑደት ገይሩ።

እቲ ዑደት ኣብ ክልቲኦም ክልቲኦም ኣሕዋት ህዝቢታት ዘሎ ኩለመዳይ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ እዋን ዑደት÷ “ኢትዮጵያ ተምሳሌት ናፅነት ፀለምቲ ህዝቢታት ብምዃና ኣብ ወታደራዊ ልውውጥ ልምዲ ጠቓሚ ዓቕሚ ከምንረክብ ርግፀኛታት ኢና” ኢሎም፡፡

እቲ ዑደት ዛምቢያ ንእትገብሮ ወታደራዊ ህንፀት ዝበለፀ ዓቕሚ ዝርከበሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተገበረሎም ኣቀባብላ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ኣዛዚ ዋር ኮሌጅ ምክልኻ ብርጋዲየር ጀኔራል ቡልቲ ታደሰ ብግደኦም÷ እቲ ኮሌጅ ሃገራት ኣፍሪካ ከም ገዝኦም መፂኦም ዝመሃሃሩሉን ዓቕሚ ዘጎልብቱሉን ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ኮሌጅ ወታደራዊ ትምህርቲታት ንምምህሃርን ዕዙዝ ፍልጠት ክዕድጉ ንዝደልዩ ኩሎም ክፍቲ ኢዩ ምባሎም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ሰራዊት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.