Fana: At a Speed of Life!

ልኡኽቶ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተቐቢሎም ሰላም ህዝቢ ዝህውኹ ዝነበሩ 19 ኣባላት እቲ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ልኡኽቶ ተቐቢሎም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ሰላም ህዝቢ ዝህውኹ ዝነበሩ 19 ኣባላት እቲ ጉጅለ ብዝተገበረ ወፍሪ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

ፀላእቲ ንኣዲስ ኣበባ ማእኸል ግብረ ራዕዲ ክንገብራ ኢና ኢሎም ኣብ ኣደባባይ ካብ ዝፍክሩ እዋን ጀሚሩ እኩይ ተግባሮም ንምፍፃም ዘይገበሩዎ ፈተነ ከምዝነበረ ናይ ቀረባ ተዘክሮ ከምዝኾነ ፖሊስ ገሊፁ፡፡

ኣብ ዝተፈላለያ ውሽጣዊ ኣካላት ተሸከርከርቲ እንተይተረፈ ሕቡእ ቦታታት እናሰናድኡ ካብ ነፍሲወከፍ ክሳብ ናይ ጉጅለ ጦር መሳርሒ ናብ ከተማ ንምእታው ዝገበሩዎ ፈተነ ብተሓባባራይነት ሕብረተሰብን ብርቱዕ ፃዕሪ ፀፅታ ሓይሊን ክፍሽል ክዝኸኣለ ኢዩ ዝሓበረ፡፡

“ካብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ንደሓር ድማ ፀላእቲ ሜለኦም ቀይሮም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ከተማታትን ህዝቢ ዋሕስ ድሕንነት ከይስመዖ መቕተልቲ እናፈፀሙ ፀኒሖም ኢዮም” ኢሉ፡፡

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ብምዃን ብዝገበሮ ዝተዋደደ ወፍሪ እቶም ጉጅለ ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ከምዝኸኣሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ፡፡

ተጠርጠርቲ ብልምዲ ራይድ ተባሂሎም ኣብ ዝፅውዓ ተሸከርከርቲ ተሳፈርቲ መሲሎም ድሕሪ ምእታው ናብ ሕቡእ ቦታ ወሲዶም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣሽከርከርቲ መቕተልቲን ስራሕቲ ገበን ሽፍትነትን እናሰርሑ ዝፀንሑ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

ተጠርጠርቲ ጥምር ሓይሊ ፀፅታ ብዝገበሮ ብርቱዕ ክትትል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝርከብ እውን ተገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ብጦር መሳርሒ ዝተሓገዘ ዘረፋ፣ ፈተነ ቅትለትን ሽፍትነትን ኣብ ክፍለ ከተማታት የካ፣ ለሚኩራ፣ ቦሌን ኮልፌ ቀራንዮን እናተንቀሳቐሱ ገበን እናፈፀሙ ዝፀንሑ ኢዮም ኢሉ ፖሊስ፡፡

እቶም ውልቀ ሰባት ብዛዕባ ዝፈፀሙዎ ገበን ጭቡጥ መረዳእታ ዝተረጋገፀሎም ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ ገበን ምፍፃሞም ኣሚኖም ቦተኦምን ኣፈፃፅምኡን ንፖሊስ መሪሖም ኣርኢዮም ኢዮም እውን ተባሂሉ፡፡

12 ዝተፈላለያ ተሸከርከርቲ፣ ንእኩይ ዕላማ መፈፀሚ ዝጥቀሙሎም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ናይ ሕሶት ሰነዳትን ዝተፈላለዩ ኣካላት ፀፅታ ዩኒፎርምን ከምዝተትሓዙ ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ህዝቢ ተሓባባራይነቱ ኣጠናኺ ንኽቕፅል ፖሊስ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ፀላእትኻ ንምስዓር ብኹሉ ዓውዲ ኣብ ብቕዓት ምርካብ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.