Fana: At a Speed of Life!

ልኡኽ ናይጄሪያ ኣብ ዓውዲ ልምዓት መስኖ ስርናይ ኢትዮጵያ ልውውጥ ልምዲ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓን ሰብሞያን ዘካተተ ልኡኽ ናይጄሪያ ኣብ ዓውዲ ልምዓት መስኖ ስርናይ ኢትዮጵያ ልውውጥ ልምዲ ገይሩ።

እቲ ልኡኽ ካብ ልውውጥ ልምዲ ብተወሳኺ÷ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳታት ኣቢቹ እኛኣን ቅምቢትን ብበኩታ ገጠም እናለምዐ ዝርከብ መስኖ ስርናይ ምንቅስቓስ ልምዓት ተዓዚቦም፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ መለስ መኮንን (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝሓበሩዎ÷ ኣብዚ ዓመት ብልምዓት መስኖ ስርናይ 3 ሚሊየን ሄክታር ብምልማዕ 120 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ንምርካብ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ ዝርከብ ስራሕ ዝበረታታዕ ኢዩ፡፡

ስራሕቲ ልምዓት ስርናይ ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ስርናይ ከምዘትረፈ ብምግላፅ፤ ውሕስና ምግቢን ስርዓተ-ምግቢን ኣብ ምርግጋፅ እውን ኣታዊ ሓረስቶት ንምድንፋዕ ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላትን ትካላትን ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.