Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ንዝኾኑ ሰባት ክታበት መከላኸሊ ኮሌራ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕማም ኮሌራ ንምክልኻል ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ልዕሊ 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ንዝኾኑ ሰባት ከምዝተኸተቡ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ።

ዘጋጠመ ሕማም ኮሌራ ንምክልኻል ካብ 5 መስከረም 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾና ትሽዓተ ወረዳታት ክታበት ከምዝተዋህበ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ክልል 4 ሺሕን 41 ሰባት ሕማም ኮሌራ ይተሓዙ እምበር ብዝተገበረሎም ክትትል ሕክምና እቶም 3 ሺሕን 916 ጥዕነኦም ተመሊሱ ናብ ስሩዕ ህይወቶም ከምዝተመለሱ ተሓቢሩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.