Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 58 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ልዕሊ 58 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንንትሮባንድ ከምዝሓዘ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝተፈላለዩ ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈት ብዝገበሮ ፍተሸ ኢዩ 46 ነጥቢ 6 ሚሊየን ኣቑሑት ኮንትሮባንድን 11 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዘውፅኡ ናይ ወፃኢ ኣቑሑት ኮንትሮባንድን ክሕዝ ክኢሉ፡፡

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ኣብ ምቁፅፃር ቀዳማይ ቦታ ዝሕዙ ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈት ሞያሌ፣ ኣዳማን ጅግጅጋን እንትኾና፥ ብቅደም ሰዓብ 8 ነጥቢ 7 ሚሊየን፣ 8 ነጥቢ 4ን 8 ነጥቢ 2 ሚሊየን ብርን ዘውፅኡ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ክሕዙ ከምዝኸኣሉ ተመልኪቱ፡፡

ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ፤ ክዳውንቲ፣ ነዳዲ፣ እንስሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡን፣ መድሓኒትን፣ ተሸከርከርቲ፣ ናይ ፅባቐ መሳርሒታት፣ ጫት፣ መዕወኒ ሓሽሽ፣ ዘይቲ ብልዒን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ገንዘብን ከምዝርከቡዎም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.