Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ151 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ናውቲ ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ151 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ናውቲ ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ካብ 6  ክሳብ 12 መስከረም 2015 ዓ.ም ብዝገበሮ ክትትል 144 ነጥቢ 1 ሚሊየን ኣታዊን፤ ልዕሊ 7 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብር ሰደድ ወፃእቲን ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝሓዘ ገሊፁ።

ብሓፈሻ 151 ሚሊየንን 287 ሽሕን ብር ግምት ዘለዎም ናውቲ ኮንትሮባንድ ኣብ ዝተፈላለዩ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ከምዝተትሓዙ ተሓቢሩ።

ኣታዊ እንትግበሩ ዝተትሓዙ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ÷ ቤት ፅሕፈት ኣዳማ፣ ሞያሌን  ኣዋሽን እንትኾኑ፤ ብቕደም ስዓቦም ልዕሊ 34 ነጥቢ 5 ሚሊየን፣ 28 ነጥቢ 1 ሚሊየንን 21 ነጥቢ 9 ሚሊየንን ብር ዘውፅኡ ናውትታት ኢዮም፡፡

ኣብ ምንጎ እቶም ዝተትሓዙ ናውትታት÷ ክዳውንቲ፣ ነዳዲ፣ እንስሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡን፣ ኣፋውስ፣ መለዋወጢ ተሽከርከርቲ፣ ናውቲ መመላኽዒ፣ መሳርሕታት ኲናት፣ ጫት፣ መዐወኒ ሓሽሽ፣ ዘይትን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ገንዘብን ከምዝርከብዎም ሓበሬታ እቲ ኮምሽን የመላኽት።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.