Fana: At a Speed of Life!

ሎዛ ኣበራ ተዓዋቲት ሽልማት ኮኾብ ተፃዋቲት ወርሒ ሕዳርን ታሕሳስን ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተፃዋቲት ጋንታ ቢርኪርካራ ሎዛ ኣበራ ተዓዋቲት ሽልማት ኮኾብ ተፃዋቲት ወርሒ ሕዳርን ታሕሳስን ኮይና።

ኢትዮጵያዊት ተፃዋቲት መስመር ምጥቃዕ ሎዛ አበራ  ኣብ ፕሜር ሊግ ደቂ ኣነስትዮ ማልታ ብሉፅ ብቕዓታ እናርአየት ትርከብ።

ብመሰረት እዚ ድማ ተሸላሚት ኮኾብ ተፃዋቲት ወርሒ ሕዳርን ታሕሳስን ፕሪሜር ሊግ ደቂ ኣነስትዮ ማልታ ቦቭ ክትከውን ክኢላ ኣላ።

ሎዛ ኣበራ ኣብዚ ዓመት ንጋንታ ቢርኪርካራ ብቐዋሚነት ብምፍራም እናተፃወተት እንትትከውን፥ ክሳብ ሕዚ 19 ሸቶታት ብምቑፃር ኮኸብ መቑፀራይ ሸቶ እውን እናመርሐት ትርከብ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.