Fana: At a Speed of Life!

ሓረስቶት ዝኣከቡዎ ምህርቲ ካብ ካብ ብኽነት ዓቂቦም ኽኽዝኑ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ግብርና ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓረስቶት ዝኣከቡዎ ምህርቲ ካብ ካብ ብኽነት ዓቂቦም ኽኽዝኑ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣተሓሳሲቡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሕርሻ ኣይተ ሳኒ ረዲ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ኣብ እዋን ዘመነ ምህርቲ 2011/12 ዓ.ም ብኣዝርእቲ ካብ ዝተሸፈነ መሬት ናብ 90 ሚኢታዊ ዝፅጋዕ  ከምዝተኣከበ ገሊፆም።

ብኽነት ፍርያት ምህርቲን ጉድለት ፅሬትን ካብ ዝፍጠረሎም ኩነታት ሓደ ናብ ቆፎ ምስ ኣተወ ዝህሉ ጉድለት ኣተሓሕዛ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ሓረስቶት ኣብ ምእካብን ምኽዛንን ምህርቲ ዝገብሩዎ ጥንቃቐ ከሕይሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ዘንድሮ ከማሳ ዝግጅት ጀምሮ የሜካናይዜሽን አጠቃቀም ከፍተኛ ደረጃ ላይ የደረሰ መሆኑን በመጠቆምም፤ በምርት አሰባሰብ ሂደቱ ከፍተኛ የህብረተሰብ ተሳትፍ የታየ መሆኑንም አንስተዋል ሚኒስትር ዴታው።

ኣብዚ ዓመት ኣጠቓቕማ ሜካናይዜሽን ብዝለዓለ ብርኪ ምውሳኹ ዝገለፁ ኣይተ ሳኒ ረዲ፥ ኣብ ምእካብ ምህርቲ ልዑል ተሳትፎ ሕብረተ ሰብ ከምዝተርኣየ እውን ኣብሆም።

ምእካብ ምህርቲ ኣብ ዝተገበረሎም ከባቢታት ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ምጅማሩ እውን ገሊፆም።

መንግስቲ ብመስኖ ንምልማዕ ካብ ዝሃቀኖ 32 ሺሕ ሄክታር መሬት ምህርቲ ስርናይ እቲ 7 ሺሕን 5 ሚኢቲን ሄክታ ብኣዝርእቲ ዝተሸፈነ እንትኸውን፥ ሓረስቶት ብመስኖ ከልምዑዎ ኢዮም ተባሂሉ ካብ ዝተተለመ 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሄክታር መሬት ድማ 6 ሚኢቲ ሽሕ ሄክታር ዝኸውን ምልማዕ ከምዝጀመረ ገሊፆም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.