Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ትካላት ሰላምን ፀፅታን ኣብ ከተማ ሚዛን ኣማን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ምምሕዳራት ትካላት ሰላምን ፀፅታን  ፌዴራልን ክልላትን ኣብ ከተማ ሚዛን ኣማን ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ሚኒስቴር ሰላም ምስ ክልል ደቡብ ብምትሕብባር ዘሰናድኦ ኢዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሚኒስትር ሰላም ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለምን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ዶክተር ኢንጂነር ነጋሽ ዋጌሾን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።

ፀብፃብ ስራሕ 9 ኣዋርሕ ብምቕራብ ዘተ ዝግበር እንትኸውን፥ ሃገራዊ ጎንፂ ዝምልከት ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ብምቕራብ ዘተ ክግበረሉ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተስፋዬ ምሬሳ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.