Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ድሕሪ ኲናት ዝፍጠሩ ምዝባዓትን እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይን ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

መበገሲ ፅሑፍ ዘቕረቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅና ኣይተ መለሰ ኣለሙ፥ ፓርቲታት ፖለቲካ ንሕንሖም ከመዘሎ ኮይኑ ኣብ እዋን ኲናት ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ብምትእኽኻብን ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ብምኹናንን፣ ምንቅስቓስ ሕብረተሰብ ብሓባር ብምፍጣ ብሓድነት ጠጠው ብምባል ሃገሮም ከድሕኑ ከምዝኸኣሉ ኣብሪሆም።

እቲ ኲናት ሓድነት ህዝቢ ካብ ምድንፍዑ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ንምድሓን ካብ ወትሩ ብዝተፈለየ መልክዑ ናይ ውሽጢንወፃን ተዋሳእቲ ዘለዉዎ ይኹን እምበር ብሓድነት ልዑል ዓወት ከምዝተመዝገበ ገሊፆም።

መንግስቲ እናወሰኖም ዝርከቡ ውሳነታት ሃገር ክትቕፅል ንምግባር ፀላእቲ ዘፃወዱዎ መፃወዲያ ብምብታኽ ዝተረኸበ ዓወት ዘላቒ ንምግባር ዕላማ ዝገበረ ከምዝኾነ እቶም ሓላፊ ኣገንዚቦም።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ኣመራርሓታት ፓርቲታት ፖለቲካ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ፅቡቕ ውፅኢት እናምፀአ ከምዝኾነን ሃገር ንምድሓን ብዝተገበረ ኲናት ብፅሒቶም ተዋፂኦም ሓበራዊ ዓወት ከምዘመዝገቡን ዝሓበሩ እንትኾኑ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ዝተጀመሩ ሓበራዊ ስራሕቲ ተጠናኺም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.