Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ብዘይሕጋዊ ዝውውር ዶላርን ካልኦት ገበናትን ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ብዘይሕጋዊ ዝውውር ዶላርን ካልኦት ገበናትን ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ 2 መጋቢት 2015 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ኦፕሬሽን ብዝውውር ዘይሕጋዊ ዶላር፣ ናይ ሕሶት ገንዘብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ብሕትመት ናይ ሕሶት ገንዘብን ከምኡ እውን ዘይሕጋዊ ጦር መሳርሒ ብመሓዝ ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሉ ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝርከብ እቲ ሓራዊ ግብረ ሓይሊ ገሊፁ።

እቲ ግብረ ሓይሊ ብዘካየዶ ጥንኩር ኦፕሬሽን ንዘይሕጋዊ ዝውውር ዝተሰናድአ ብዙሕ ዶላር ኣሜሪካን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ገንዘብን ዝትትሓዙ እንትኾኑ፥ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብብርኪ ውልቀ ሰብ ልዕሊ 100 ሺሕ ብር፤ ንትካላት ልዕሊ 200 ሺሕ ብር ኣብ ገዛዛን ኣብ ትካላትን ከየቕምጡ ዘመሓላለፎ ክልከላ ብምጥሓስ ንዕድጊት ዶላር ክውዕል ዝነበረ 601 ሺሕን 760 ብር፣ ብሰለስተ ቼክ ተፈሪሙ ንዘይሕጋዊ ዕድጊት ዶላር ክውዕል ዝነበረ 4 ሚሊየን 900 ሺሕ ብር፣ ሰለስተ ክላሽንኮቭን ኣርባዕተ ሽጉጣትን ምስ ካልኦት ዘይሕጋዊ ጥይታት ሒዞም ዝተረኸቡ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሉ ብምርመራ እናፃረየ ከምዝርከብ እውን ኣፍሊጡ።

ብኻሊእ መዳይ ሓደ ሓደ ናይ ወፃኢ ሃገር ዜጋታት ቪዛ ቱሪስትን ካልኦት ሕጋዊ መገዲታትን ብምጥቃም ናብ ሃገር ድሕሪ ምእታው ሕቡኣት ኣብ ዝኾኑ ቦታታት ዝርከባ ፔንሲዮናትን ሆቴላትን ንነዊሕ እዋን ብምክራይ ናይ ሕሶት ዶላርን ብርን ብምሕታም ኢኮኖሚ ሃገር ንምድኻም ዝተዋፈሩ ተጠርጠርቲ ዶላርን ብርን ንምሕታም ምስ ዝጥቀሙሉ ወረቐትን ኬሚካልን ብመሓዝ ምርመራ እንገበረሎም ከምዝርከብ ዝገለፀ እንትኸውን፥ ተጠርጠርቲ እቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝፍፅሙ መዕወኒ ሓሽሽ ብምጥቃም ምዃኑ ከምዘረጋገፀ እውን ገሊፁ፡፡

ዝተጀመረ ኦፕሬሽን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ዘይኮነስ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ዝካየደሎም ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ሕብረተሰብ ንዝገበሮ ምትሕብባር ዕዙዝ ምስጋና ዘቕረበ እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ፥ ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ዝፍፀሙ ተግባራት ገበን ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ምስ ኣካላት ፀፅታ ግቡእ ምውዳድ ብምግባርን ሓሬታ ብመሃብን ዝገብሮ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ንኽቕፀል ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.