Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣብ 3 ኣዋርሕ ዝወገኖም ተግባራት ገምጊሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝወገኖም ተግባራት፣ ዝተረኸቡ ዓወታትን ጉድለታትን ሎሚ መዓልቲ ገምጊሙ።

ሕዝባዊ፣ መንግስታዊን ሃይማኖታዊ በዓላት፣ መዓልቲታት ጳጉሜን፣ በዓላት ሓዱሽ ዓመት፣ መስቀል፣ መውሊድን ኢሬቻ እንትኽበሩ ከምኡ እውን ስነ ስርዓት መኽፈቲ ሓበራዊ ኣኼባ  ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ እንትካየድ ድሕንነቶም ተሓሊዩ ንኽዛዘሙ ብምውዳድ ከምዝተሰርሐ እቲ ግብረ ሓይሊ ገምጊሙ፡፡

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ሙያዊ ዓቕሙ እናሃነፀ፣ ቴክኖሎጂን ካልኦት ዕጥቂታትን ብግቡእ ኣብ ረብሓ ብምውዓል ሕጊ ብዝተኸተለ ኩነታት ውፅታዊ ስራሕቲ ፀፅታ ከምዝሰርሐ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ኣፍሊጡ፡፡

“ኣብ ዝተኸበሩ በዓላት ኩሎም ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ምስ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ብምትሕብባር ብምስረሖም ምስጋና ይግበኦም” ኢሉ እቲ ግብረ ሓይሊ ኣብ መግለፂኡ፡፡

ኣብ ዝቕፅሉ 100 መዓልቲታት ዝውገኑ ተግባራት ብምፍላይ ሰላም ኢትዮጵያ ብዘተኣማምን ኩነታት ንምርግጋፅ ከምዝሰርሕ ገሊፁ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ዝሳለጡ ሃገራዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ፍፃመታት ካብ ፀረ ሰላም ሓይሊታት ተሓሊዮም ብሰላም ንኽኽበሩ ከምዝሰርሕ እቲ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.