Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ሓለዋ ሪፐብሊካን ምስ እግረኛ ሓይሊታት ብምዃን ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ዘየዳግም ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ሓለዋ ሪፐብሊካን ምስ እግረኛ ሓይሊታት ብምዃን ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ዘየዳግም ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ።

በዚ ድማ ብዙሓት ኣባላት እቲ ኣሸባሪ ጁንታ ከምዝተደምሰሱ ተገሊፁ።

35 ኣባላት እቲ ኣሸባሪ ጁንታ ዝተማረኹ እንትኾኑ፥ ካብ መንጎ እቶም ዝተማረኹ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ 20 ህፃናት ኣለውዎም።

እቶም 15 ድማ ካብ 18 ክሳብ 25 ዕድሚኦም ከምዝኾኑ ምርግጋፁ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ዘመቻ ምብራቕ እዚ  ኮ/ል ጉደታ ኦፍጋአ፥ ኣሸባሪ ሓይሊ እቲ ጁንታ ኣብ ክልል ዓፋር ኣንፈት ጭፍራ ግንባር ዝመፅአ ጉጅለ ኣሸባሪ ጁንታ ካብ ሓይሊ ሓለዋ ሪፐብሊካን ከምኡውን ምስ ፍሉይ ዘመቻ ብምዃን ዓወት ከምዝሓፈሰ ኣረጋጊፆም።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ጁንታ ብዘናፍሶ ናይ ሓሶት ወረ ምድንጋር የብሉን።

ብተወሳኺ ዝውረን ብተግባር ዝርአን ብምንም ዘይራኸብ ስለዝኾነ ህዝብና ሓድነቱ ብምጥንኻር ንሰራዊት ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ብምጥንኻር ክቕፅል ይግባእ ኢሎም።

ካብ መንጎ እቶም ዝተማረኹ ለትሽ ሃድጉ፥ እቲ ጁንታ ኣገዲዱ ናብ ኲናት ከምዘእተዋ ገሊፃ።

ትሕቲ 18 ዓመት ህፃናት ኣገዲዱ ናብ ኲናት ብምእታው ትግራይ ብዘይ መንእሰይ የትርፋ ከምዘሎ እውን ተዛሪባ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.