Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ሓለዋ ሪፐብሊካን ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝፈፀሞ ግዳጅ ውፅኢታዊ ነይሩ- ሜጀር ጄኔራል ብርሃኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ሓለዋ ሪፐብሊካን ምስ እዚታትን ካልኦት ኣሃዱታት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ብምውዳድ ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝፈፀሞ ግዳጅ ውፅኢታዊ ነይሩ ክብሉ ዋና ኣዛዚ እቲ ሓይሊ ሜጀር ጄኔራል ብርሃኑ ወርቁ ኣፍሊጦም።

እቲ ሓይሊ በፍላይ ኣብ ግንባራት ራያን ምዕራብን ኣብ ልዕሊ እቲ ጁንታ ከቢድ ጉድኣት ብምብፃሕ ሓያልነቱ ኣመስኪሩ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ከባቢ ዓዲ ቀይሕ ዝነበረ ፈታኒ ኩነታት ዩኒት ኮማንዶ እቲ ሓይሊ ሓለዋ ሪፐብሊካን ብድሕሪ እቲ ጁንታ ድፋዕ ሰቢሩ ብምእታው ዝፈፀሞ መስተንክር ንወገን ዘኹርዕ ነይሩ ዝበሉ እንትኾን፥ ኣብ መቀለ ኣብ ዝነበረ ተልእኾ እውን ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝፈፀመ ኣረዲኦም።

ሜጀር ጄኔራል ብርሃኑ ኣብ ግንባር ምዕራብ ካብ ሑመራ ክሳብ ዳንሻ ዝሃድም ሓይሊ ጁንታ ናይ ምዕጋትን ምቁፅፃርን ስራሕ ከምዝሰርሐ ብምግለፅ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን እውን ዝተንጠባጠበ ዕጡቕ ህወሓት ኣብ ምህዳን ከምዘሎ ገሊፆም።

እቲ ሓይሊ ሪፐብሊካን ምስ ምኽባር ሕጊ ጎድኒ ንጎድኒ ኣብ ምዕራብ ወለጋን መተከልን ሽፍታታት ናይ ምድምሳስ ልኡኽ ብዕዉት መገዲ ኣብ መፍፃም ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

እቲ ዝተኻየደ ምኽባር ሕጊን ወፍሪ ህልውናን ፍትሓዊ ስለ ዝነበረ እግረኛ፣ ሜካናይዝድ፣ ፍሉይ ሓይሊ፣ ሓይሊ ኣየርን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ብጥምረትን ብቑርፀኝነትን ከምኡ ውን ብብልሓት ኣመራርሓ ዝተፈፀመ ወፍሊ ዝለዝኾነ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘኹረዐ ተግባር ተፈፂሙ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ህዝቢ ክሳብ ሐዚ ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ነቲ ውፅኢት መሰረታዊ ብፅሒት ከምዝነበሮ እውን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.