Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብቕዓቱ ብዝበለፀ ብምዕባይ ንዞባዊ ሰላም ሓዊሱ ይሰርሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብቕዓቱ ብዝበለፀ ብምዕባይ ንዞባዊ ሰላም ሓዊሱ ይሰርሕ ከምዘሎ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጀኔራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም።

ብዋና ፀሓፊ ማሕበር ወተሃደራዊ ኣታሼታት ሃገራት ወፃኢ ኣብ ኢትዮጵያ ብርጋዲዬር ጀኔራል ሙዩሶርዳ ናቲጊያ ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብቲ ሓይሊ ኣየር ዑደት ገይሮም።

ሌተናል ጀኔራል ይልማ መርዳሳ፥ እቲ ትካል ብብርኪ ዓለም ነባር ትካል ኣቪዬሽን ካብ ዝበሃሉ ሓደ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ተሳትፎ ምዕቃብ ሰላም መሪሕ ሓይሊ ምዃኑ ብምግላፅ፥  እቲ ዑደት ረብሕኡ ልዑል ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብ ቀፃሊ ምስ እቶም ወተሃደራዊ ኣታሼታትን ሞያተኛታትን ናይ ሓባር ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ርክብ ኣጠናኺርካ ንምቕፃል እቲ ትካል ድልዊ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።

ብርጋዲዬር ጀኔራል ሙዩሶርዳ ናቲጊያ ብግደኦም፥ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣወዳድብኡ ጀሚሩ ኣብ ዝነኣድ ከይዲ ለውጢ ከምዝኾነ ምዝራቦም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.