Fana: At a Speed of Life!

ሓዱሽ ወለዶ ለውጢ ዘምፅእ እምበር ዝሓለፉ ስሕተታት ዝደግም ክኸውን የብሉን – ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓዱሽ ወለዶ ለውጢ ዘምፅእ እምበር ዝሓለፉ ስሕተታት ዝደግም ክኸውን የብሉን ክብላ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት እዚ ዝበላ፥ ኣብ መርሃ ግብሪ ምረቓ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበረኦ መደረ ኢዩ፡፡

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ መደረአን “ሎሚ ትገብሩዎ ኩሉ ናይ ፅባሕ መገዲ ምትሕብባር ዝጎድእ ከምዘይኸውን ክተረጋግፁ ይግባእ” ዝበላ እንትኾና፥ ተመረቕቲ ተምሃሮ እዋናዊ ፀገም ኢትዮጵያ ብህድኣት ምግንዛብ ከምዝግበኦም ኣገንዚበን፡፡

ምውግሑ ስለዘይተርፍ ዝጠፍአ ኣብ ምምላስ ዝዓነወ ኣብ ምስትኽኻል ንብራኸ ኢትዮጵያ ክሰርሑ ይግባ ኢለን፡፡

ኢትዮጵያ ዝገጠማ እዋናዊ ፈተና ብሜላ ምንጋፍ የድሊ ዝበላ ናይ ክብሪ ጋሻ እቲ ዕለት ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ ናይ ደገ ተመልካቲ ምዃን ከምዘይግባእ እውን ኣተሓሳሲበን።

ተመረቕቲ ተምሃሮ ዝረኸቡዎ ፍልጠት ብምጥቃም ንኢትዮጵያ ኣብ ምስጋር ክሰርሑሉ ተላቢየን፡፡

በሶዶ ለማ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.