Fana: At a Speed of Life!

ሕማም ሳንቡእ ንምዕጋት ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ርብርብ የድሊ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕማም ሳንቡእ ኣብ 2030 ዓ.ም.ፈ ንምዕጋት ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ኣብ ቀፀልቲ ሸውዓተ ዓማውቲ ጠመተ ተዋሂቡ ከምዝስራሕ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

መበል 18 ዓመታዊ ጉባኤ ምርመራ ሳንቡእ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያ ሕማም ሳንቡእ ንምዕጋት ብመሰረት ዝገበረቶ ክታም ዓለም ለኻዊ ሰምምዐነት ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት መፅናዕቲን ምርምርን ብምግባር ዝተፈላለዩ ተግባራት ፈፂማ ኢያ ኢለን።

እቲ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ እውን ነቲ ሕማም ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዝግበር ከይዲ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከበርክት ኢዩ ምባለን ኣብ ቢሮ ጥዕና ኣዲስ ኣበባ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.