Fana: At a Speed of Life!

ሕቡራት ኢሚረታት ዓረብ ንፈለማ እዋን መንኮራኹር ናብ ማርስ ኣበጊሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕቡራት ኢሚረታት ዓረብ ንፈለማ እዋን መንኮራኹር ናብ ፕላኔት ማርስ ኣበጊሳ።

እታ መንኮራኹር 500 ሚሊየን ኪሎ ሜትሮ ትጓዓዝ እንትትከውን፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ወርሒ ለካቲት 2021 ኣብ ማርስ ክትበፅሕ ኢያ ተባሂሉ።

እዋን ምብፃሕ እታ መንኮራኹር ምስ መበል 50 ዓመት ምስረታ ሕቡራት ኢሚረታት ዓረብ ከምዘተገጣጠመ ተገሊፁ።

ኣብ ጃፓን ካብ ዝርከብ መደብር ታናጋሽማ ዝተበገሰት “ሆፕ” ዝተብሃለት መንኮራኹር፥ ፀባይን ኩነታት ኣየርን ፕላኔት ማርስ ክተፅንዕ ኢያ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብ ማርስ ምስ ዓለበት ድማ ክሳብ ሕዚ ብዛዕባ እታ ፕላኔት ዘይተፈለጡን ዘይተመርመሩን ሓበሬታታት ክተብፅሕ ኢያ ተባሂሉ።

እታ መንኮራኹር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንምሕምባብ ክልተ ግዘ ተፈቲኑ ብምኽንያት ኩነታት ኣየር እንተይተዓወተ ተሪፉ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

እቲ ናይ ሕዚ ፈተነ ምሕምባብ ሳትላይት፥ ኣብ ነዳዲ ጥራሕ ዝተመርኮዘ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ኣብ ፍልጠት ናብ ዝተደረኸ ሓዱሽ ምዕራፍ ንምስግጋር ዝግበር ፃዕሪ መርኣያ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.