Fana: At a Speed of Life!

ሕብረተሰብ ክፍጠር ካብ ዝኽእል ምምላእ ሩባታትን ሃንደበታዊ ሓደጋ ውሕጅን ባዕሉ ክሕሉ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረተሰብ ክፍጠር ካብ ዝኽእል ምምላእ ሩባታትን ሃንደበታዊ ሓደጋ ውሕጅን ባዕሉ ክሕሉ ከምዝግባእ ብሄራ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋን ኤጀንሲ ብሄራዊ ሜትዮሮሎጂን ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ስራሕ ክልቲአን ትካላት ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ኣብ ወርሒ ነሓሰ እውንስሩዕን ካብ ስሩዕ ንላዕሊን ዝናብ ምውቅዑ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ከምኡ እውን ናይተን ሃገራት ኣዋሰንቲ ከባቢታት ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ከቢድ መጠን ዝናብ ከተኣናግዱ ከምዝኽእሉ፥ ቢሮ ቅድመ ትንበያ ለውጢ ንብረት ኣየር ኢጋድ ትማሊ ዕላዊ ገይሩ።

ኣብ ብሄራዊ ኤጀንሲ ሜትዮሮሎጂ ዳይሬክተር ትምበያን ቅድመ መጠንቀቕታን ወይዘሮ ጫሊ ደበሌ፥ ሎሚ መዓልቲ ዝኣተወ ወርሒ ነሓሰ መጠን ዝናብ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሀን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ይወቅ ዘሎ ዝናብ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ዝሓበራ እተን ዳይሬክተር፥ ብተፃራሪ ድማ ጉድኣት ከብፅሕ ከምዝኽእል ተዛሪበን።

ሕብረተሰብ ዝወቅዕ ዘሎ ከቢድ መጠን ዝናብ ስዒቡ ኣብ ቀፃሊ ክፍጠር ዝኽእል ሓዳጋ ውሕጅ ንባዕሉ ክከላኸል ከምዝግባእ ወይዘሮ ጫሊ ኣተሓሳሲበን።

መራሒ ጉጅለ ቅድመ መጠንቀቕታ ኮሚሽን ብሄራዊ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኣይተ ነግዬ ሃይሉ ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ከቢድ ዝናብ እንትወቅዕ ንውሕጅ ዝቃልዑ ከባቢታት ከምዝተፈለዩ ገሊፆም።

ሓደጋ ንዝበፅሖም ከባቢታት እቲ ኮሚሽን ይገብሮ ዘሎ ሓገዝ ዘብርሁ ኣይተ ነግየ፥ ብምኽንያት ምምላእ ማይ ሩባታት ኣብ ክልል ዓፋር ዝተጎድኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ሓገዝ ይግበረሎም ኣሎ ኢሎም።

ክልቲኦም ሓለፍቲ ስራሕ ከምዝበሉዎ፥ ሕብረተሰብ ትምበያታት ፀባይ ኣየር ብምክትታል ንባዕሉ ካብ ሓደጋ ከርሕቕ ይግባእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.