Fana: At a Speed of Life!

ሕብረተሰብ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ንግዲ እንትርእይ ሓበሬታ ምሃብ ኣለዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረተሰብ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ንግዲ እንትርእይ ሓበሬታ ምሃብ ከምዘለዎ ሚኒስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።

ዝረአ ዘሎ ናህሪ ዋጋን ምኽባር ናብራን ንምክልኻል ግብረ ሓይሊ በምጥያሽ ናግ ተግባር ምእታዉ ይፍለጥ።

ብብርኪ ፌዴራል ዝተጣየሸ መረጋግዒ ዋጋ ግብረ ሓይሊ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኦሮሚያ ፣ ደቡብ፣ ሲዳማ፣ ኣምሓራ ክልላትን  ኣዲስ ኣበባ ዙርያ ኣብ ዓውዲ ነግዲ ዝረኣዩ ዘለዉ ፀገማት ኣመልኪቱ ዑደት ስራሕ ኣካይዱ።

ብመሰረት እዚ ዝረኣዮም ፀገማትን ሐዚ ዘሎ ኩነታትን ብዘምልከት ፀብፃብ ንሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣቕሪቡ።

ኣብቲ ፀብፃብ፥ ፍሮያት ምሕባእ፣ ሹቕ ምዕፃው፣ ብፅሒት ሽይጣት ዘይምሃብን እንተሃቡ እውን ኣብ ዝሸጡሉ ዋጋን ብፅሒትን ዝፀሓፍ ዋጋ ምፍልላይ፣ ዝርዘር ዋጋ ዘይምልጣፍ፣ ኣብ ኩሎም ቦታታት ዕድጊት ድለላ ምእታው ዝብሉ ፀገማት ተገሊፆም።

ሚኒስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ መላኩ ኣለበል፥ መንግስቲ ናይ ህልውና ወፍሪ የካይድ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣሻጥር ኢኮኖሚ ምፍጣር ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ኢኮኖሚያዊ ፅዕንቶ ንምፍጣር ዝግበሩ እኩይ ተግባራት ተቐባልነት ኣይብብሎምን ኢሎም።

ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ንግዲ እንትርእይ ሓበሬታ ምሃብ ኣለዎ ምባሎም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.