Fana: At a Speed of Life!

ሕብረተሰብ 14 ዝኾኑ ፍርያታት ጠስሚ ለዉዝ ከይጥቀም በዓል መዚ ምቁፅፃር ምግቢን መድሓኒትን ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረተሰብ ልዑል ዝኾነ ኣፈርላ ቶክሲን (Aflatoxine) ዝተረኸቦም 14 ዝኾኑ ፍርያታት ጠስሚ ለዉዝ ከይጥቀም በዓል መዚ ምቁፅፃር ምግቢን መድሓኒትን ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ በዓል መዚ ብዝገበሮ ቁፅፅርን ፍተሻን ኣቢሉ ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ፥ እቶም ፍርያታት ልዑል መጠን ኣፈርላ ቶክሲን (Aflatoxine) ከምዝተረኸቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ፍርያታት ለውዝ ዘፍርዩ ታካላት ስጉምቲ ንምውሳድ ነቶም መፍረይቲ ክረኽቦም ከምዘይከኣለ እውን ኣፍሊጡ።

ዝምልከቶም ኣካላት ምቁፅፃር እቶም ፍርያታት ካብ ዕዳጋ ብምእካብ ከወግዱዎም ከምዝግባእ ድማ እቲ በዓል መዚ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

እቲ በዓል መዚ ኣብ ረብሓ ከይውዕሉ ዝኣገዶም ፍርያታት ለዉዝ፡-

ምስራቅ የለውዝ ቅቤ

ሳራ የለውዝ ቅቤ

ዳና የለውዝ ቅቤ

ሰገን የኦቾሎኒ ቅቤ

አርሂቡ የለውዝ ቅቤ

ረጃት የለውዝ ቅቤ

ኢትዮ የለውዝ ቂቤ

ፅዮን የለውዝ ቅቤ

ማሃሩን የኦቾሎኒ ቅቤ

ላቪሊ የሎዝ ቂቤ

እናት የሎዝ ቅቤ

ኤ.ኤፍ የሎዝ ቅቤ

መና የኦቾሎኒ ቅቤ

ሂር የለውዝ ቅቤ ኢዮም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.