Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ መረፃ ዝዕዘቡ ሰብ ሞያታት ከምዝልእኽ ምግላፁ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ሓዊሱ ካብ ኣሜሪካን ሩሲያን ዝተውፃእፅኡ ጉጅለ ሰብ ሞያታት መረፃ ንምዕዛብ ከምዝመፅኡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃቡዎ ሰሙናዊ መግለፂ፥ መረፃ ንምዕዛብ ካፍቲ ሕብረትን ካብ ክልቲአን ሃገራትን ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያታት ከምዝመፅኡ ገሊፆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ሽዱሽተ ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ፣ ካብ ክልተ ትካላት ዝተውፃእፀአ ጉጅለ ካብ ኣሜሪካ ከምኡ እውን ካብ ሩሲያን ሕብረት ኣፍሪካን መረፃ ዝዕዘቡ ሰብ ሞያታት ክምፅኡ ኢዮም ኢሎም፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ሕብረት ኣውሮፓ ኣቐዲሙ ኣብ ዘቐመጦ ቅድመ ኩነት ቅዋም ኢትዮጵያ ከምዘይተቐየረ እውን ኣብሪሆም፡፡

እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብ መግለፂኦም፥ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፊልትማን ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ውፅኢታዊ ልዝብ ከምዝገበሩ ተዛሪቦም፡፡

እቶም ፍሉይ ልኡኽ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ እዋናዊ ኩነታትን ጉዳይ ግድብ ህዳሰን ኣድሂቦም ምዝታዮም ገሊፆም፡፡

ከይዲ ድርድር ብሰላማዊን ዲፕሎማሲያዊን መገዲ ንኽዛዘም እቶም ኣምባሳደር ዘለዎም ድሌት ገሊፆም ኢዮም ኢሎም።

ግዚያዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ፕሬዚዳንት ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ፌሌክስ ሲሼኬዲ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝግበር ሰላማዊ ድርድር ክቕፅል ንምግባር ዘኽእል ልዝብ ከምዝገብሩ እውን ኣብ መግለፂኦም ኣብሪሆም።

ኣብ መግለፂ እቶም ኣቐባሊ ቃል፥ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ኒጀር ዝነበረን ፃንሒት ኣብ ሃገራዊ መረፃ፣ ከይዲ ድርድር ግድብ ህዳሰን ካልኦት ጉዳያትን ዘተኮረ ዕዉት ልዝብ ከምዝገበራ ገሊፆም፡፡

ብፍሬህይወት ሰፊው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.