Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ሩባ ናይልን ግድብ ህዳሰን ንኢትዮጵያ ዘለዎም ስትራቴጂካዊ ረብሓ ኣፍልጦ ከምዝህብ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ሩባ ናይልን ግድብ ህዳሰን ንኢትዮጵያ ዘለዎም ስትራቴጂካዊ ረብሓ ኣፍልጦ ከምዝህብ ኣፍሊጡ።

ፕሬዚዳንትታት ካውንስል ኣውሮፓን ኮሚሽን ኣውሮፓን ብሓባር ብምዃን ንቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ፥ እቲ ሕብረት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝልምከት ዝግበሩ ዝነበሩ ሰለስቲኣዊ ድርድራት  ይከታተል ከምዝነበረን ምስተን ሃገራት እውን ርክብ ከምዝነበሮን ገሊፆም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከምዘረድእ፥ እቶም ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት እውን እቲ ድርድር ይከታተልኡ ከምዝነበረ ኣብቲ ደብዳበ ተገሊፁ ኢዩ።

ሐዚ እውን ዘይተፈትሑ ፀገማት ከምዘለዉ ብምሕባር፥ ንኩለን ሃገራት ተረባሒ ክገብር ናብ ዝኽእል ስምምዕነት ንምግባር ምዝርራብ ንክገብራ እቲ ሕብረት ከምዘተባብዕ ሓቢሮም።

የአውሮፓ ህብረት የናይል ውሃ እና የህዳሴ ግድብ ለኢትዮጵያ ስትራቴጂካዊ ጠቀሜታ እንዳላቸው ሙሉ በሙሉ እውቅና እንደሚሰጥም አረጋግጠዋል።

ሕብረት ኣውሮፓ ሩባ ናይልን ግድብ ህዳሰን ንኢትዮጵያ ዘለዎም ስትራቴጂካዊ ረብሓ ኣፍልጦ ከምዝህብ እውን ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.