Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ንኣባል ሃገራት ኢጋድ 60 ሚሊየን ዩሮ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት መከላኸሊ ቫይረሰ ኮሮና ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ንኣባል ሃገራት በይነ መንግስታት ልምዓት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) 60 ሚሊየን ዩሮ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት መከላኸሊ ቫይረሰ ኮሮና ሓገዝ ገይሩ።

እተን ሃገራት ኮቪድ-19 ንምክልኻል ኣብ ዝግብረኦ ምንቅስቓስ ንምሕጋዝ ዝውዕል እንትኸውን፥ ንኣባል ሃገራት ኢጋድ ብኢትዮጵያ ኣቢሉ ንኽበፅሐን ሎሚ መዓልቲ ርኽክብ ተኻይዱ።

ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ከምዝበሉዎ፥ ሕብረት ኣውሮፓ ንኣባል ሃገራት ኢጋድ ዝገበሮ ሓገዝ ቫይረስ ኮሮና ብምክልኻል ሕብረተሰብ ካብ ሞት ምድሓን ብተወሳኺ ነቲ ሕማም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰብ ሞያታት ሕክምና ንምድሓን እውን ዝሕግዝ ኢዩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸውን ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰን ተረኺቦም።

እቲ ሓገዝ ብዝበለፀ ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብ ብፍላይ ድማ ካብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ንዝተመዛበሉ ወገናት ከምኡ እውን ንስደተኛታት ዝውዕል ከምዝኾነ እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ እቲ ሕብረት፥ 3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሰርጂካል ማስክ፣ 24 ኣምቡላንሳት፣ 8 ተንቀሳቐስቲ ላብራቶሪን 70 ሺሕ መመርመሪ መሳርሒታትን ብምቕራብ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዕዉት ዝኾነ ስራሕቲ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ተግባራዊ ንምግባር ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ ኣሎ።

እቲ ፕሮግራም ካብ መሓዙት ሃገራት እቲ ሕብረት ሓሊፉ ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ህፃናት (ዩኒሴፍ )፣ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ፕሮጀክት ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ኤጀንሲ ልምዓት ጀርመን፣ ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታትን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ምልክት ንግዲ ( Trade Mark east Africa)ን ብዝተብሃሉ መሓዙት ትካላት ብምውዳድ፤ ንኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ጅቡቲ፣ ኬንያ፣ ሶማሊያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ዩጋንዳን ዝገበሩዎ ሓገዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ኮሚሽነር ዓልም ለኸ ምሕዝነት እቲ ሕብረት ጁታ ኡርፒላይነን፥ ንሸሞንቲአን ኣባል ሃገራት ዝተገበረ ሓገዝ ቫይረስ ኮሮና ብዝተዋደደን ብዕዉት መገዲን ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ብኣክሱማዊት ገብረህይወት

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.