Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቅድመን ድሕረን ሃገራዊን ክልላዊን ምርጫ ኢትዮጵያ ድጋፍ ንክገብር ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቅድመን ድሕረን ሃገራዊን ክልላዊን ምርጫ ኢትዮጵያ ድጋፍ ንክገብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሓቲቱ።

ተወከልቲ ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓን ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢን ኣብ 2012 ዓ.ም ዝካየደ ሃገራዊ ምርጫ ብዝምልከት ትማሊ ተዛቲዮም።

እቶም ተወከልቲ ንኣስታት ክልተ ሰሙናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ብምዝውዋር ቅድመ ምድላው ሃገራዊ ምርጫ ብዝምለከት ከምዝተዓዘቡ ተገሊፁ።

ትማሊ ድማ ምርጫ ኣመልኪቱ ክሳብ ሐዚ ዝግበር ዘሎ ቅድመ ምድላውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ፖለቲካን ብዝምልከት ምክትል ኣፈ ጉባኤ ወይዘሮ ሽታዬ ምናለ መብርሂ ሂበንኦም።

እተን ምክትል ኣፈ ጉባኤ፥ ቦርድ ምርጫ ገለልተኛ ኮይኑ ንክውደብ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ንተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፀጊሞም ዝነበሩ ሕጊታት ምርጫ ብምምሕያሽ ኣብቲ ባይቶ ክፀድቁ ከምዝተገበረ ብኣብነት ኣረዲአን።

ዝተፈላለዩ ትካላት ሃገራዊ ምርጫ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ኮይኑ ንክዛዘም ዘኽእል ቅድመ ምድላው ይገብሩ ከምዘለዉ ብምሕባር፥ ሕብረት ኣውሮፓ ዘለዎ ልምዲ ንከካፍል ሓቲተን።

መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ሎዊ ዴፋይ ብግደኦም፥ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ምርጫን ተዓዘብቲ ምርጫን ዘለዎ ግንዛበ፣ ኩነታት ፖለቲካን ሰላምን እዛ ሃገር፣ ትራንስፖርት፣ ኣቕርቦት ናውቲ ምርጫን ካልኦት ምስቲ ሃገራዊ ምርጫ ምትሕሓዝ ዘለዎም ተግባራተን ብዝመልከት እቶም ኣባላት ተዘዋዊሮም ከምዝተዓዘቡ ኣብሪሆም።

እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ፥ ምስ ስቪክ ማሕበራት፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል፣ መራኸብቲ ሓፋሽ፣ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ካልኦት ምስቲ ምርጫ ርክብ ምስ ዘለዎም መንግስታዊን ዘይመንግስታዊት ትካላትን ዘተ ከምዝገበሩ ኣረዲኦም።

ስለዝኾነ ምርጫ ዓመተ 2012 ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ኮይኑ ንክዛዘም፥ ኣባላት ፓርላማ ይኹኑ ኣካላት ፀፅታ ልዑል ፃዕሪ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.